ኣብዚ ክመጽእ ስለምንታይ ኣድልዩኒ?

እዚ ፈተና እዚ ውላድኩም ክሳዕ ክንደይ ፍልጠት ቋንቋ እንግሊዝ ከም ዘለዎ ንመምህሩ ንምሕባር እዩ ተደልዩ።

 

ELL (ኢ ኤል ኤል) እንታይ ማለት እዩ?

ELL ማለት English Language Learning እዩ ትርጉሙ ድማ ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ማለት እዩ።

 

ውላደይ ቋንቋ እንግሊዝ ኣጸቢቚ ኪመልኽ ክንደይ ኪወስደሉ እዩ?

ብገምጋም ክሳዕ ሸውዓተ ዓመት ኪወስድ ይኽእል እዩ።

ቅድም ዝምዕብል ማሕበራዊ ቋንቋ ኮይኑ፡ ኣካድያምያዊ ቋንቋ ንኪምዕብል ግዜ ይወስድ እዩ።

 

ኣብ መንጎ ማሕበራዊ ቋንቋን ኣካድያምያዊ ቋንቋን ዘሎ ፍልልይ እንታይ እዩ?

ማሕበራዊ ቋንቋ እቲ ምስ ስድራቤትን ኣዕሩኽን ንክንዘራረብ መዓልታዊ እንጥቀመሉ ቋንቋ እዩ።

ኣካድያምያዊ ቋንቋ እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንከነብብን ክንጽሕፍን እንጥቀመሉ ቋንቋ እዩ።

 

ኣብ ገዛ ቋንቋ ኣደ ምዝራብ ምቕጻል ኣገዳስነቱ እንታይ እዩ?

ድልዱል ዓቕሚ ቋንቋ ኣደ ዘለዎም ቆልዑ ካልኣይ ቋንቋ ንኪመሃሩ ይሕግዞም እዩ። ብዝያዳ ከኣ ቋንቋ ኣደ ምዕቃብ ንቆልዑ ምስ ባህሎምን ስድራቤትን ዝምድና ከማዕብሉ ይሕግዞም እዩ።

 

ዉሉደይ ቋንቋ እንግሊዝ ንምምዕባል ኣብ ዝዋሃቦ ትምህርቲ ኣብ ገዛ ብከመይ ኪሕግዞ እኽእል?

ኣብ ገዛ ብቋንቋ ኣደ ምዝራብ ብዘይምቊራጽ ክትሕግዝዎ ትኽእሉ። ምስ ዕድመን ዓቕሚ ቋንቋ እንግሊዝ ውሉድኩምን ዝመጣጠን ብድርብ ቋንቋ ዝተዳለወ መጻሕፍቲ ብሓንሳብ ምንባብ። ንጀመርቲ ዝኸውን ብድርብ ቋንቋ ዝተዳለወ መጻሕፍቲ ኣብዚ ዝስዕብ ገጽ ኢንተርነት ክትረኽቡ ይከኣል፡ www.storybookscanada.ca። ኣብ ህዝባዊ ቤት መጻሕፍቲ በርነቢውን ዝተፈላለየ ብድርብ ቋንቋን ብዝተፈላለየ ቋንቋታትን ዝተጻሕፈ መጻሕፍቲ ኪትረኽቡ ይከኣል።

 

ዓቕሚ ቋንቋ እንግሊዝ ውሉደይ ዳግማይ ዝግምገመሉ ግዜ መዓስ እዩ?

ዓቕሚ ቋንቋ እንግሊዝ ውሉድኩም ብቐጻሊ እዩ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብመምህር ቋንቋ እንግሊዝ ዝግምገም። ኣብ መዛዘሚ ነፍስወከፍ ዓመት ትምህርቲውን ኣብ መንጎ ወርሒ ኣርባዕተን ወርሒ ሽዱሽተን ኣብ ዘሎ እዋን ወግዓዊ ግምገማ ይግበር እዩ። እዚ ግምገማ እዚ ኣብ ቤት ትምህርቲ ውሉድኩም ኣብ ስሩዕ መዓልታት ትምህርቲ እዩ ዚግበር።

 

ውሉደይ ኣብ ቤት ትምህርቲ እንታይ ዓይነት ደገፍ እዩ ዝግበረሉ?

ውሉድኩም ኣብ ቤት ትምሀርቲ ብመገዲ መምህር ቋንቋ እንግሊዝ ደገፍ ቋንቋ ይግበረሉ እዩ። እዚ ደገፍ እዚ ኣብ ውሽጢ ክፍሊ ወይውን ብጉጅለታት እዩ ዝዋሃብ። መምህር ቋንቋ እንግሊዝን መምህር ክፍልን እውን ብሓባር ንውሉድኩም ብከመይ ከም ዝድግፍዎ ኪማኸሩ ይኽእሉ እዮም።