እዚኣ እታ ውላድኩም ኣብ ዞባ ትምህርቲ በርነቢ ኣብ ዝርከብ መፈተኒ ቋንቋ እንግሊዝ ብኮምፒተር ንምርኻብ እተገልግል ሊንክ ወይ መንጠሪት እያ። እቲ ተማሃራይ፡ ማይክሮፎን፣ ካሜራን፣ ኢንተርነትን ዘለዋ መሳርሒ ከም እተድልዮ ኣይትረስዑ። ላፕቶፕ ወይ ኣብ ልዕሊ ጠረጴዛ እተንብራ ዓባይ ኮምፒተር ክትጥቀም ይምረጽ። ሞባይል ተሌፎን ወይ ታብለት ነቲ ዕዮ ኣዝየን ይንእሳ እየን። ነቲ ፈተና ብኮምፒተር ክወስድዎ ዘይከኣል እንተኾይኑ፡ ናብ “ወልካም ሰንተር” ብቊጽሪ 604-296-6936 ብምድዋል ምስ ሰራሕተኛታት ተዛራረቡ። ብኣካል ነቲ ፈተና ኪወስዱ ንዝደልዩ ዘሎና ቦታ ኣዝዩ ውሱን እዩ። እቲ ዝዋሃብ ናይ ቆጸራ ሰዓት ብኣቆጻጽርራ ብሪቲሽ ኮሎምብያ እዩ። የቐንየልና።